29 “ንደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።
ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን እዩ።
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ጌድሶን እዙይ እዩ። ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቍፀሮም።
ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም።