28 ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ጌድሶን እዙይ እዩ። ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
ነቲ መሕደሪ ድንኳን ንሱውን እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሌዋውያን ብኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ተመሪሖም፥ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣቑሑ እዙይ እዩ።
ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም።
“ንደቂ ሜራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።
ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣገልግሎት ደቂ ሜራሪ እዙይ እዩ። ኵሉ ኣገልግሎቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታምር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።”
ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም።