25 ዓለባታት እቲ መራኸቢ ድንኳንን መኽደኒኡን፥ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት እንስሳ ባሕርን፥ እቲ መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥
“ብዓሰርተ ዓለባታት ጌርካ ድንኳን ስራሕ። ነቲ ዓለባ ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ብዝኾነ ፈትልን ብዝተፍሓሰ ሃርን ጌርካ ስርሓዮ። ክኢላታት ሰባት ድማ ብጥልፊ፥ ምስሊ ኪሩቤል ይስኣሉሉ።
“ነቲ መደረብታ ኸዓ ብዝተቐረፀ፥ ቈራብቲ ማጓሉ ጌርካ መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብቘርበት እንስሳ ባሕሪ ጌርካ መኽደን ግበረሉ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዓለባ ዘርግሐሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ ገበረሉ።
ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።
“ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።