23 ዕድመኣቶም ካብ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቍፀሮም” በሎ።
እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።
ከምቲ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ዝኣዘዞ፥ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ደቂ ሌዊ ተቘፀሩ።
ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ።
“ንደቂ ጌድሶን በብማይ ቤቶምን በብዓሌቶምን ቍፅሮም ውሰድ።
“ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦
ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ዝኽእሉ ቝፀሮም” በሎ።
ዕድመኣቶም ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንላዕሊ ኸዓ ኻብ ስራሕ ኣገልግሎት የዕርፉ፤ ድሕሪኡውን ኣየገልግሉ።
እንታዋይ ወታደር እዩ፥ ብገንዘቡ እናተመገበ ዘገልግል? ወይኒ ተኺሉ፥ ፍረኡ ዘይበልዕኸ መን እዩ? ወይ እናጓሰየ፥ ካብተን ዝጓስየን መጓሰ፥ ፀባ ዘይሰቲ መን እዩ?
ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥
ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።
ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።