18-19 “ንዓሌታት ቃዓት ካብ ማእኸል ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም፤ ናብ ጥቓ እቲ ቅዱሰ ቅዱሳን ነገር ብምቕራብ ከይሞቱ ኸምዙይ ግበሩሎም፤ ምእንቲ ተቐሲፎም ከይሞቱ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ሰስራሖምን ፆሮምን የመልክትዎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።
እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፥ እቲ ኻህን ንዘይኮነ ኻልእ ሰብ ካብኡ ዝለኸየን፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
ንኸምዙይ ዝመሰለ ኽዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዕጣን ዝገብር ካብ ህዝቡ ይወገድ።”
“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።
ምድሪ ኣፋ ኸፈተት፤ ንኣኣቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆሬ ሰባትን ንዅሉ ንብረቶምን ከዓ ወሓጠቶም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ነቶም ዓመፅቲ ምልክት ምእንቲ ኽትኮኖም፥ ንበትሪ ኣሮን፥ ኣብኡ ኽትሕሎ፥ ናብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ምለሳ፤ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም ከዓ ኸቋርፆ እየ። ንሳቶም ከዓ ኣይሞቱን እዮም” በሎ።
“ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ።
ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።