16 “ሓላፍነት ኣልኣዛር፥ እቲ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ነቲ ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ዘይትን ነቲ ምዑዝ ዕጣንን ነቲ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን፥ ንዅሉ ድንኳንን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ንመቕደስን ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።”
ንቐንዲል ዝኸውን ዘይቲ፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን ንጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ዝኸውን ቀመማትን፥
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ነቲ መቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ነቲ ንመቕደስ ዝኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ።”
ነቲ ዝቕባእ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን፥ ነቲ ፅሩይ ምዑዝ ዕጣንን ድማ፥ ከምቲ ብኽኢላ ቐማሚ ዝግበር ገይሩ ኣዳለዎ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም።
በታ ኣሮንን ደቁን ዝቕብኡላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዙይ እዩ፦ ከምቲ ዅልሻዕ ዘቕርብዎ ቝርባን እኽሊ፥ ሓደ ኺሎ ልሑም ሕሩጭ ይኹን። ፍርቁ ጊሓት፥ ፍርቁ ኸዓ ምሸት፥
ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
እምበኣር ሰብ፥ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢራት እግዚኣብሄርን፥ ገይሩ ይቝፀረና።
እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፥ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ፥ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።
ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።
ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን።