Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 4:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 “ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 4:15
26 Referencias Cruzadas  

ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ከዓ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ፆይሮም መፁ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ከዓ ኣቐመጥዎ፤ እቲ ዅሉ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝወፅእ ድማ ኣብያታር ብርኽ ናብ ዝበለ ቦታ ደየበ።


እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ።


ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መፁ ኸዓ፥ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ።


እቶም ደቂ ሌዋውያን ከዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመፃውር ኣብ ማእገሮም ፆርዎ።


ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ።


ስለዙይ ሌዋውያን ንድንኳንን እቲ ንእኡ ዘድሊ ኣቑሑን ክፆሩ ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ነበረ።


ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያ እቲ እምባ ወሰን ግበረሎም። ‘ናብቲ እምባ ኸይትድይቡ፥ ወይ ነቲ እግሪ እምባ ኸይትነኽእዎ ተጠንቀቑ’ ድማ በሎም። ነቲ እምባ ዝነኽኦ ዅሉ ብርግፅ ክመውት እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ውረድ እሞ፥ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክሪኡ ኽብሉ ናብቲ እምባ ኸይቐርቡ እሞ፥ ብዙሓት ከዓ ኸይጠፍኡስ፥ ኣጠንቅቆም።


ነቲ መሰውኢ ምፅዋሩ ምእንቲ ኽምቹ፥ ነቲ መፃውር ብኽልተ ወገኑ ናብቲ ቐለበታት ኣእትዎ።


ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ።


ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።


እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።


ቀዓታውያን ድማ ኣቑሑ መቕደስ ፆይሮም ተጕዓዙ፤ ንሳቶም ክሳዕ ዝመፁ ኸዓ እቲኣቶም ነቲ ድንኳን ተኸልዎ።


ንሳቶም ንኣኻን ነቲ ድንኳንን የገልግሉ፤ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ ግና፥ ናብ ኣቑሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ኣይቕረቡ።


ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።


ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።


ግና ምእንቲ ኸይሞቱስ፥ ነቲ ቕዱስ ነገር ንቕፅበት ዓይኒ እኳ እንተ ኾነ ኣትዮም ኣይርኣይዎ።”


ንደቂ ቃዓት ግና፥ ኣገልግሎት መቕደስ ናታቶም እዩሞ፥ ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ ነበሩሞ፥ ሙሴ ሓደ እኳ ኣይሃቦምን።


ሙሴ ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ደቂ ሌዊን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም።


እቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፥ ከምቲ ሙሴ ንኢያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍፀም፥ እቶም ታቦት ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ ቆሙ። እቶም ህዝቢ ኸዓ ቐልጢፎም ተሳገሩ።


ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos