14 ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።
ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ዝሰርሖ ኣቑሑ እዙይ እዩ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ሰደቓታት፥
“ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፥ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ መሰውኢ ግበር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕተ መኣዝን ይኹን፤ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።
ንሓሙዅሽቲ ዝኸውን ውንጭሕቲ መፅሓሪን ጭሐሎን መውግእ ስጋን እቶንን ግበር፤ ነዝ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ብነሃስ ስርሓዮ።
“ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ።
“ኣሮንን ደቁን ነቲ መቕደስን ኣቑሑ ዅሉ ንዋያተ ቕድሳቱንውን ሸፊኖም ምስ ወድኡ፥ ካብቲ ሰፈር እንትለዓሉ ድማ፥ ደቂ ቃዓት ክፆሩ ይምፅኡ። ከይሞቱ ግና፥ ነቲ ንዋየ ቅድሳት ኣይንክእዎ። ምፅዋር እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ሓላፍነት ደቂ ቃዓት እዩ።
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።