13 “ነቲ ሓሙዅሽቱ ድማ ኻብ መሰውኢ የወግድዎ፤ ቀይሕ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ።
ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ዓለባን ገይሮም፥ ኣብ መቕደስ ንዘገልግሉሉ ዝተኣለመ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣዳለዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፥ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባሳት ገበሩሉ።
ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።
ኵሉ እቲ ዘገልግሉሉ ኣቑሑ ኸዓ ፅንሃሃትን መሰንቀሪ ስጋን መፅሓሪያታትን ውንጭሕትን፥ ኵሉ ኣቑሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይዘርግሑሉ፤ መፃውሩ ኸዓ የእትዉሉ።