11 “ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ።
ነቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይትን፥ ምዑዝ ዕጣንን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ድንኳን መዕፀዊ ዝኸውን መጋረጃን፥
ነቲ ብወርቂ ዝተገብረ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኪዳን ኣንብሮ፤ ንኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ከዓ ብመጋረጃ ጋርዶ።
ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ ድማ ብናይ እንስሳ ቘርበት ገይሮም ይጠቕልልዎ፤ ኣብ መፆሪ ከዓ ይግበርዎ።
“ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ብሰማያዊ ዓለባ ይጠቕልልዎ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ኸዓ ይሸፍንዎ፤ ኣብ መፆሪውን ይግበርዎ።
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።
ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ።