10 ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ ድማ ብናይ እንስሳ ቘርበት ገይሮም ይጠቕልልዎ፤ ኣብ መፆሪ ከዓ ይግበርዎ።
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ቐዋሚ ቐንዲል ስራሕ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዲል ምስ እግሩን ዘንጉን ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ጌርካ ስርሓዮ። ነቲ ጫፉ ዝኸፈተ ዕምበባን፥ ነቲ ጕንዱ ዝመዓጐ ዕምበባን ዝመስል፥ ኣሰራርሓኡ ኸም ፅዋዕ ጌርካ ስርሓዮ።
ዝተቐረፀ ቘራብቲ ማጓሉ፥ ልስሉስ ቈራብቲ፥ ዕንፀይቲ ሰራው፥
“ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ገይሮም ይሸፍንዎ፤ መፃውራቱ ኸዓ የእትዉሉ።
“ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ብሰማያዊ ዓለባ ይጠቕልልዎ፤ ብዝለፍዐ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ኸዓ ይሸፍንዎ፤ ኣብ መፆሪውን ይግበርዎ።
ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቘርበት እንስሳ ባሕሪ ይግበሩሉ፤ ኵለንትናኡ ሰማያዊ ዝኾነ ዓለባ ኸዓ ይዘርግሑሉ። መፃውራትውን የእትዉሉ።
“ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከዓ፥ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልን ነቲ መብራህቱን መዀስተሪኡን መዋህለሊ ርስሓቱን ነቲ ዘይቲ ዝሕዙሉ ኣቑሑኡን ይኽደኑ።