9 ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይፅናዕ እምበር፥ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።”
ናቡቴ ድማ ንንጉስ ኣክኣብ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በሎ።
ኣጓላት ሰለጵአድ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ።
ነፍሲ ወከፍ ካብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይፅናዕ እምበር፥ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ።
ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ጓል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኽወርስ፥ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትመርዖ።
ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም።
እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ።