8 ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ጓል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኽወርስ፥ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትመርዖ።
ኣልኣዛር ኣወዳት እንተይሓደገ ሞተ፤ ኣዋልድ ግና ነበራኦ፤ ደቂ ሓው ኣቦኣተን ቂስ ከዓ ኣእተዉወን።
ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይፅናዕ እምበር፥ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።”