4 ንደቂ እስራኤል ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ኮነሎም፥ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ክውሰኽ እዩ። ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽንከ እዩ” በሉ።
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
ምድሪ ናተይ እያ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣብ ምድረይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፥ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ።
ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ዓመት ቍፀር፤ ድምሩ ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ።
ንሳተን ናብ ሓደ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት እስራኤል እንተ ተመርዓዋ፥ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽውሰድ እዩ፤ ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ድማ ኽውሰኽ እዩ። በዝ ኸምዙይ ካብቲ ብዕፃ ዝወረስናዮ ርስቲ ኽንከ እዩ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነገድ ደቂ ዮሴፍ ዝተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ።