3 ንሳተን ናብ ሓደ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት እስራኤል እንተ ተመርዓዋ፥ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽውሰድ እዩ፤ ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ድማ ኽውሰኽ እዩ። በዝ ኸምዙይ ካብቲ ብዕፃ ዝወረስናዮ ርስቲ ኽንከ እዩ።
“እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ብዕፃ ኽትህቦም ኣዘዘካ። ከምኡውን ንርስቲ ሰለጵአድ ሓውና፥ ነጓላቱ ኽትህበን ኣዘዘካ።
ንደቂ እስራኤል ዓመት ኢዮቤልዩ ምስ ኮነሎም፥ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ክውሰኽ እዩ። ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ኽንከ እዩ” በሉ።