12 ካብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተመርዓዋ፤ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኣተን ተረፈ።
ኣጓላት ሰለጵአድ፥ ማሕላ፥ ቲርፃ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ኖዓ፥ ካብ ደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ።
እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።
እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኣጓላት ሰለጵአድ ዝኣዘዞ ኸምዙይ እዩ፦ ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራሕ ደኣ ይኹን እምበር ዝደለያኦ ይመርዓዋ።
ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።