10 ኣጓላት ሰለጵአድ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ።
መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም፥ ነቲ ዝፀረፈ ናብ ወፃኢ ሰፈር ወሲዶም፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
እስራኤላውያን ድማ ኸምኡ ገበሩ፤ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
ኣጓላት ሰለጵአድ፥ ማሕላ፥ ቲርፃ፥ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ኖዓ፥ ካብ ደቂ ሓወቦታተን ተመርዓዋ።
ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይፅናዕ እምበር፥ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።”
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን።