1 መራሕቲ ዓሌት ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ መፁ፤ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት፥ መራሕቲ ዓሌት ደቂ እስራኤልን ከዓ ተዛረቡ።
ዮሴፍ ክሳዕ ሳልሳይ ትውልዲ፥ ደቂ ኤፍሬም ረአየ። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኣብ እንዳ ዮሴፍ ተወሊዶም ኣብኡ ዓበዩ።
ማሕላ፥ ኑዓ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ዝበሃላ ኣጓላት ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር፥ ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ቀረባ።
ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥
ኣጓላት ሰለጰኣድ ዝተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ምስ ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፤ እቲ ርስቲ ኣቦአን ናብኣተን ኣሕሊፍካ ሃበን።