9 እቲ ወሰን ከዓ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓፃርዔናን ይውፃእ፤ ናይ ሰሜን ወሰንኩም እዙይ ይኹን።
እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓፃር ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ወሰን ሃማት እዩ፤ እዙይ እቲ ወገን ሰሜን እዩ።
ስማት እቶም ነገድ እዙይ እዩ፤ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ ብጥቓ መንገዲ ሃትሎን ክሳዕ ሃማትን ክሳዕ ኣሶር ዔናንን ወሰን ደማስቆ ናብ ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፥ ካብ ምብራቕ፥ ክሳዕ ምዕራብን ንዳን ሓደ ኽፍሊ ዕፃ ይኹን።
ናይ ምብራቕ ወሰንኩም ከዓ፥ ካብ ሓፃርዔናን ክሳዕ ሴፋማ ምልክት ግበረሉ።
ካብ እምባ ሆር ድማ ኽሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ፅዳድ ይውፃእ።