4 ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ።
ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ ምድረ በዳ ፂን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሓማት ዘላ ረኣብ ሰለይዋ።
ከይዶም ከዓ ናብታ ሙሴን ኣሮንን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ዘለውዋ ምድረ በዳ ፋራን፥ ናብ ቃዴስ፥ መፁ። ኣብኣ ንሙሴ፥ ንኣሮንን ንዅሉ ማሕበር እስራኤልን ናይቲ ዝረአይዎ ፀብፃብ ሃብዎም። ፍረ እታ ምድሪ እውን ኣርኣይዎም።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።
ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸምዙይ እዩ፦ ብወገን ደቡብ ክሳዕ ወሰን ኤዶምያስ፥ ክሳዕ ጫፍ ምድረ በዳ ሲን ዝበፅሕ ነበረ።
ወሰን ኣሞራውያን ከዓ ኻብ ዓቐበት ዓቅራቢም፥ ካብቲ ጭንጫ ጀሚሩ ኽሳዕ ላዕሊ ነበረ።