3 ብወገን ደቡብ፥ ካብቲ ብወገን ኤዶምያስ ዘሎ ምድረ በዳ ፂን ይኹን። ብወገን ምብራቕ፥ ካብቲ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው ይጅምር።
እዚኣቶም ኵላቶም ናብቲ ጐልጐል ሲዲም ተብሂሉ ዝፅዋዕ ባሕሪ ጨው ተኣከቡ።
“ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፥ ወሰናታ እዙይ እዩ፤ ዮሴፍ ክልተ ዕፃ ኽረክብ እዩ።
በለኒ ድማ “እዝ ማያት እዙይ፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፤ ናብ ጐልጐል ክወርድ፥ ናብ ባሕሪ ኸዓ ኽበፅሕ እዩ፤ ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ እቲ ማያት ክፍወስ እዩ።
ንሳቶም ከዓ ደዪቦም ነታ ምድሪ ኻብ ምድረ በዳ ፂን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሓማት ዘላ ረኣብ ሰለይዋ።
ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ ክኸውን እዩ።
እቲ ኻብ ላዕሊ ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ቆመ። ኣብ ርሑቕ፥ ኣብታ ኣብ ጥቓ ፃርታ ዘላ፥ ኣዳም እትበሃል ከተማ ኸም ኲምራ ኾይኑ ተቘለለ። እቲ ናብ ባሕሪ ዓረባ ናብ ባሕሪ ጨው ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ ከዓ ፈፂሙ ኣቋረፀ። እቲ ህዝቢ ድማ ብመንፅር ኢያሪኮ ተሳገረ።