16 መሊሱ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ስለዙይ ኣብ ማእኸል ጉባኤ እግዚኣብሄር፥ መሬት ብዕፃ ገመድ ዘውድቕ ኣይህልወካን።
እዞም ክልተ ነገድን እዝ ፈረቓ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ረርስቶም ሒዞም ኣለዉ።
እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት፥ ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እዮም።
እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም፥ እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝወረስወን፥ እዚኣተን እየን፦
ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።