13 ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም “እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ሩባ ግብፂ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥
እምበኣርከስ ነታ ምድሪ ርስቲ ኽትኮነኩም፥ ብዕፃ ኽትማቐልዋ እንተለኹም፥ ካብታ ምድሪ እተቐደሰ ኽፍሊ፥ ንእግዚኣብሄር መባእ ክተቕርቡ ኢኹም፤ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ እመት ክኸውን፥ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ።
ስለዙይ ኣብ ማእኸል ጉባኤ እግዚኣብሄር፥ መሬት ብዕፃ ገመድ ዘውድቕ ኣይህልወካን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እታ ምድሪ ግና ዕፃ ብምውዳቕ ትመቐል። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኸከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይውረስዋ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እቲ ወሰን ብፈለግ ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ጨው ይብፃሕ። ሃገርኩም ምስቲ በርባዕተ ወገና ዘሎ፥ ወሰና እዙይ እዩ።
ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ።
እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”