7 ካብ ኤታም ተልዒሎም፥ ኣብ ምብራቕ በኣልዛፎን ናብ ዘላ ፊሃሒሮት ተመሊሶም፥ ኣብ ጥቓ ሚግዶል ሰፈሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
“ንደቂ እስራኤል፥ ተመሊሶም ኣብ መንፅር ፒሃሒሮት፥ ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ክሰፍሩ ንገሮም። ኣብ መንፅር በዓልፀፎን፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ።
ግብፃውያን ድማ፥ ኵሎም ኣፍራስ ፈርዖንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኣቶም ገስጊሶም፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ፒሃሒሮት ኣብ መንፅር በዓልፀፎን ሰፊሮም እንተለዉ ኣርከብዎም።
ካብ መንፅር ፊሃሒሮት ተልዒሎም ብማእኸል ባሕሪ ኤርትራ ገይሮም ናብ ምድረ በዳ ተሳገሩ። ኣብ ምድረ በዳ ኤታም መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከዓ ኣብ ማራ ሰፈሩ።