53 ነታ ሃገር ብርስቲ ሂበኩም እየ እሞ ውረስዋ፤ ኣብኣውን ንበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ “ነዛ ምድሪ እዚኣ ርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ዓዲ ከለዳውያን ዘውፃእኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” በሎ።
ናይ ሰማያት ሰማይ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሃበ።
እዝ ነገር እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ እዩ፤ እቲ ፍርዱውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ። እቲ ልዑል፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ሰባት ከም ዝገዝእን፥ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ንዝደለዮ ኸም ዝህብን፥ ካብ ሰባትውን ንዝተንዓቑ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ዝሸይምን፥ ኵሎም ህያዋን ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።’
እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ፥ ክሳዕ እትፈልጥ፥ ሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ተፈሊኻ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም እንስሳ ኸዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ፤ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ኽትጥልቂ ኢኻ።
እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ፥ ስልጣን ከም ዘለዎ፥ ንዝደለዮ ኸዓ ኸም ዝህቦ ኽሳዕ እትፈልጥ፥ ንሸውዓተ ዓመት ካብ ሰብ ክትስጐጕ፥ ምስ እንስሳ በረኻ ኽትነብር ኢኻ፤ ከም ብዕራይ ከዓ ሳዕሪ ኽትበልዕ ክትግደድ ኢኻ።”
ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።
ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፥ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትኣትውዋ ኢኹም እሞ፥ ክትወርስዋን ክትነብሩላንውን ኢኹም።
“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኣቲኹም ምስ ወረስኩምዋን ምስ ተቐመጥኩምዋን፥ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፥ ንጉስ ኣብ ልዕሌና ነንግስ’ እንተ በልኩም፥
“በታ ጊዜ እቲኣ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትወርስዋ ሂቡኩም እዩ፤ ሰብ ሓይሊ ዝኾንኩም ኣፅዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።
እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥ ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ።
“ብልብኹም ድማ፥ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባና ዝበዝሑ እዮም እሞ፥ ከመይ ጌርና ኽነውፅኦም ኢና?’ እንተ በልኩም፥
“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኻብ ቅድሜኹም ክሰጎም፥ ካብ ቅድሜኹም ከዓ ኸርሕቖም እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተዛረበኩም ድማ፥ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።