51 ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፥ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም፥
እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ መንፅር ኢያሪኮ፥ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ ትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ክትኣትውዋ እንተለኹም ከዓ ንኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኣሞራውያንን ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ሔዋውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ነዞም ሸውዓተ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ብዙሓት ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ምስ ሰጐጎም፥
“ኦ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ክትሳገሩ ኢኹም፤ ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን፥ ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሕ ዕርድታት ዘለወን ዓበይቲ ኸተማታት ንዘለዋኦም ኣህዛብውን ክትወርስዎም ኢኹም።
ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ንፈለግ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፥ እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ኻህናት ኣብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ኣብቲ ንቑፅ ምድሪ ቐጥ ኢሎም ቆይሞም ነበሩ።