Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 33:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ግብፃውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ዝቐተሎም ኵላቶም በዅሪታት ይቐብሩ ነበሩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቶምውን ፈረደ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 33:4
8 Referencias Cruzadas  

ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፥ ንዅሉ በዅሪ ሓይሎም ቀተለ።


“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


ግብፃውያን ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝፈፀምዎ ግፍዒ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም መሊሱሎም እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።


ብዛዕባ ግብፂ ዝተነግረ ፆር። እንሆ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ፈጣን ደመና ተቐሚጡ ናብ ግብፂ ኽመፅእ እዩ። ጣዖታት ግብፂ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፤ ልቢ ግብፃውያን ከዓ ኽመክኽ እዩ።


እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ዝተፈርሐ እዩ፤ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ድማ ኸጥፍኦም እዩ፤ ኣብ ኵሉ ደሴታት ኣህዛብ ዘለዉ ከዓ፥ ኵሎም ሰባት ኣብ በቦታኦም ኮይኖም ንእኡ ኽሰግዱሉ እዮም።


በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos