3 ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ከተማ ራምሴ ተልዓሉ። ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ግብፃውያን እናረአይዎም፥ ብትብዓት ፅባሕ ፋሲካ ወፁ።
ዮሴፍ ከዓ ነቦኡን ነሕዋቱን መሬት ኣካፈሎም፤ ከምቲ ፈርዖን ዝኣዘዞውን፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ፥ ኣብ ምድሪ ራምሴ ርስቲ ሃቦም።
ፈሪሖምዎም ነይሮም እዮምሞ፥ ብምውፃኦም ግብፂ ተሓጐሰት።
ብብርቱዕ ስራሕ ምእንቲ ኸጭንቑሎም ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርዖን ከዓ ፊቶምን ራምሴን ዝተብሃላ ፅኑዓት ኸተማታት ሰርሑ።
“እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም፥ ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ ትኹንኩም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።
ንስኻትኩም ሎሚ ብወርሒ ኣቢብ ትወፁ ኣለኹም።
እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኣትረሮ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሪ እቶም ብፅንዕቲ ኢድ ዝወፁ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ።
እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”
ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት ፀሓፈን። እተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት እዘን ዝስዕባ እየን፦