2 ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት ፀሓፈን። እተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት እዘን ዝስዕባ እየን፦
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈፂመ ኽድምስሶ እየ እሞ፥ ምእንቲ ኽዝከር ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ፤ ንኢያሱውን ንገሮ” በሎ።
ከምቲ ብመጀመርታ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ድማ፥ ተጕዓዙ፤
ካልኣይ ልዕል ብዝበለ ድምፂ ክትነፍሑ እንተለኹም ከዓ፥ ብወገን ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይጐዓዙ። ንጕዕዞ መለኸት ይንፍሑ።
ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብሙሴን ብኣሮንን እናተመርሑ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ጕዕዞኦም ከምዙይ ነበረ፦
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኻብ ከተማ ራምሴ ተልዓሉ። ደቂ እስራኤል፥ ኵሎም ግብፃውያን እናረአይዎም፥ ብትብዓት ፅባሕ ፋሲካ ወፁ።
ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ‘ናብታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽኣትዉን ክወርስዋንስ ተስእ፤ ኪድ፥ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጕዓዝ’ በለኒ።”