10 ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ።
ኵሎም ማሕበር እስራኤል ካብ ኤሊም ተልዒሎም፥ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘሎ ሲን ዝበሃል ምድረ በዳ በፅሑ። እዙይ ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ነበረ።
ደቂ እስራኤል ብምሉኦም ካብ ምድረ በዳ ሲን ተልዒሎም፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ተጕዓዙ። ኣብ ራፊዲም ድማ ሰፈሩ። ዝሰትይዎ ማይ ግና ኣይነበሮምን።
ካብ ባሕሪ ኤርትራ ተልዒሎም፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ሰፈሩ።
ካብ ማራ ተልዒሎም፥ ናብ ኤሊም መፁ፤ ኣብ ኤሊም ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ።