1 ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብሙሴን ብኣሮንን እናተመርሑ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ጕዕዞኦም ከምዙይ ነበረ፦
ንባርያኡ ንሙሴን ነቲ ዝሓረዮ ኣሮንን ለኣኸ።
ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።
በታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመታት ዝተወድኣላ መዓልቲ፥ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብፂ ወፁ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።
እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም።
ኣነ ኻብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኹኻ፤ ካብ ቤት ባርነትውን ኣድሓንኩኻ፤ ቀቅድሜኻውን ንሙሴን ንኣሮንን ንማርያምን ሰደድኩልካ።
ሙሴ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት ፀሓፈን። እተን ክጐዓዙ እንተለዉ ዘዕረፉለን ቦታታት እዘን ዝስዕባ እየን፦
ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸዓ ንግብፂ፥ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገበርኩዎ ገይረ ቐፃዕኽዋ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣውፃእኹኹም።
“ያእቆብ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን ከዓ ነቦታትኩም ምስ ኣጨነቑዎም፥ ኣቦታትኩምውን ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፤ ንሳቶም ከዓ ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፅእዎም፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም።