8 ኣቦታትኩም ድማ ምድሪ ኽሪኡ ኢለ ኻብ ቃዴስ በርኔ ምስ ሰደድክዎም፥ ከምኡ ገበሩ።
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ከምዙይ እናበሉ ኣጕረምረሙ፦ “ኣብ ግብፂ ወይ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና?
ወሰንኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዘይሩ ናብ ፂን ይሕለፍ፤ ብደቡብ ቃዴስ በርኔ ኣቢሉ ድማ ይውፃእ። ብሓፀርኣዳር ወፂኡ ኸዓ ናብ ዓፅሞን ይሕለፍ።
ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።