6 ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን “ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ክኸዱ እንተለዉዶ፥ ኣብዙይ ክትተርፉ ኢኹም?
ኦርዮ ኸዓ ንዳዊት “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፥ ታቦት ኪዳን ከዓ ምስኣቶም ኣሎ፥ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ድማ ኣብ ዓውዲ ውግእ እናሃለዉ፥ ሕዚዶ ኣነ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክሓድርን ኢለ ናብ ገዛይ ክኣቱ ኾይነ? ነዝ ነገር እዙይ ከም ዘይገብሮ ብህይወትካ እምሕል ኣለኹ” በሎ።
ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺብናስ፥ እዘን ዓዲታት እዚኣተን፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ርስቲ ጌርካ ሃበና፤ ንዮርዳኖስውን ኣይተሳግረና” በልዎ።
ስለ ምንታይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ፥ ንደቂ እስራኤል ተስፋ እተቝርፅዎም?
ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን።
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልኦት ጥቕሚውን እምበር፥ ናይ ባዕሉ ጥቕሚ ጥራሕ ኣይሕሰብ።
ስለ ምንታይከ ፋፃ መጓሰ ኽትሰምዕ፥ ኣብ ማእኸል ደምበታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ? ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥ ዓብዪ ናይ ልቢ ምርምር ነበረ።