39 ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ኸይዶም ንገለዓድ ሓዝዋ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከዓ ሰጐጕዎም።
ዮሴፍ ክሳዕ ሳልሳይ ትውልዲ፥ ደቂ ኤፍሬም ረአየ። ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኣብ እንዳ ዮሴፍ ተወሊዶም ኣብኡ ዓበዩ።
ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ።
ደቂ ምናሴ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ማኪር ማኪራውያን፥ ማኪር ኣቦ ገለዓድ እዩ፤ ካብ ዓሌት ገለዓድ ገለዓዳውያን።
ንማኪር ድማ ንገለዓድ ሃብክዎ።
ምናሴ ንዮሴፍ በዅሪ ወዱ ስለ ዝኾነ ብፅሒቱ እዙይ እዩ፦ ማኪር በዅሪ ወዱ ንምናሴ፥ ንገለዓድ ከዓ ኣቦኡ፥ ተዋጋኣይ ሰብኣይ ነበረ። ስለዙይ ንገለዓድን ንባሳንን ወረሳ።
ንሳቶም ከዓ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣጨነቑዎምን ኣሳቐይዎምን። ነቶም ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ንዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣጨኒቖም ገዝእዎም።
ኣብ ኣማሌቅ ሱር ዝነበሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፤ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእኸል ህዝብታትካ፥ ኣሕሉቕ ከዓ ኻብ ማኪር፥ ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝሓዙ ወረዱ።