36 ቤት ኒምራ፥ ቤት ሓራን ዝበሃላ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሑ፤ ደምበታት ኣባጊዕውን ሰርሑ።
“እዘን ንሕና ደቂ እስራኤል ክንሕዘን እግዚኣብሄር ዝወቕዐን ዓዲታት፦ ዓጣሮት፥ ዲቦን፥ ኢያዜር፥ ኒምራህ፥ ሓሴቦን፥ ኤልያሊ፥ ሴባም፥ ናባ፥ ቤዖን፥ ንእንስሳ ዝተመቸዋ ዓዲታት እየን፤ ንሕና ሓሻኽርካ ድማ እንስሳ ኣለዋና።
ዓጥሮት ሾፋን፥ ኢያዜር፥ ዮግብሃ፥
ደቂ ሮቤል ድማ ሓሴቦን፥ ኤልዓለ፥ ቂርያታይም፥
ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ።