32 ንሕና ኣፅዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነዓን ንሳገር፤ እቲ እንወርሶ ርስቲ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ይኹነልና” ኢሎም መለሱሉ።
ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም እሞ ኣብታ ዝወረስኩምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ገዛ ሕማም ለምፂ እንተ ሰደድኩ፥
ርስትናስ ካብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ በፂሑና እዩ እሞ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምስኣቶም ርስቲ ኣይንወርስን” በሉ።
ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብር።
ሙሴ ኸዓ ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፥ መንግስቲ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እታ ሃገር ምስ ከተማታታን ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ዓድታትን ሃቦም።
እዞም ክልተ ነገድን እዝ ፈረቓ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ረርስቶም ሒዞም ኣለዉ።
ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።
ሃገሮም ሓዝና፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ርስቲ ሃብናዮም።
“ነዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ወረስናያ፥ ነቲ ብሰሜን ከተማ ኣሮዔር፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኣርኖን ዘሎን፥ ፍርቂ ደጕዓ ገለዓድ ምስ ናይ ከተማታታን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብኩዎም።
እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ሩባ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም፥ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐላጕል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።