30 ኣፅዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ምሳኻትኩም ይውረሱ” በሎም።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም።
ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ንገብር።
እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ዝረኸሰት እንተ መሰለት፥ ናብታ መሕደሪ እግዚኣብሄር ተሰሪሓታ ዘላ ምድሪ እግዚኣብሄር ንዑ፤ ኣብ ማእኸልናውን ርስቲ ውሰዱ፤ ብዘይ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻልእ መሰውኢ ብምስራሕኹም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌናን ኣይተዓምፁ።