Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 32:29 - መፅሓፍ ቅዱስ

29 ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣፅዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፥ ምሳኻትኩም ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፥ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፥ ሽዑ ነታ ምድሪ ገለዓድ ርስቲ ኽትኮኖም ሃብዎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 32:29
10 Referencias Cruzadas  

ንሕና ግና፥ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ኣፅዋር ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ደቅና በቶም ደቂ ዓዲ ምእንቲ ኸይፈርሑ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ይቀመጡ።


ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ነሕሉቕ ማይ ቤት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኣቶም ኣዘዘ።


ኣፅዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ምሳኻትኩም ይውረሱ” በሎም።


ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።


ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥


ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን።


እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”


ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።


ድሕሪኡ ድማ ገለዓዳዊ ኢያኢር ተስአ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ።


ሳኦል ድማ ንዳዊት “ጥራሕ ብርቱዕ ወዲ ኹነለይ፤ ውግእ እግዚኣብሄርውን ተዋጋእ እምበር፥ እንሆ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኮነካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሳኦል ከዓ፥ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ኣብኡ ይኹን እምበር ኢደይስ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን” ይብል ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos