Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 32:26 - መፅሓፍ ቅዱስ

26 ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 32:26
4 Referencias Cruzadas  

ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ ንሙሴ “ጐይታና! ኸምቲ ዝበልካና ኽንገብር ኢና።


ግና ብዙሓት ከፍቲ ኸም ዘለዋኹም እፈልጥ እየሞ፥ ኣንስትኹምን ደቅኹምን ከፍትኹምን ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ።


ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።


ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos