23 “ከምኡ እንተ ዘይጌርኩም ግና፥ እንሆ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክትገብሩ ኢኹም፤ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ።
ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ኽፉኣትን ሓጢኣተኛታትን ነበሩ።
ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ።
ይሁዳ ድማ፥ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብለካ ኢና? እንታይከ ኽንዛረበካ? ኸመይ ጌርናኸ ርእስና ኽነንፅህ? ኣምላኽ በደልና ኻብ ቀልዐ፥ እኒሀና፤ ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶን ባሮትካ ኢና” በሎ።
ኣነ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኹ እኳ፥ ድኹም እየ፤ እዞም ደቂ ፅሩያ ድማ በርቲዖምኒ ኣለዉ። ነቲ ኽፉእ ዝገብርስ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ” በሎም።
ነቶም ካብኡ ዝቐንዑን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፥ ንኣበኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓሜሳይ ወዲ ዮቴር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፥ ኣቦይ ዳዊት እንተይፈለጠ፥ ብሰይፊ ወቒዑ ስለ ዝቐተሎም፥ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊኡ ይምለሰሉ።
ደሞም ናብ ርእሲ ኢዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ንዘለኣለም ይመለስ፤ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዙፋኑን ግና ኻብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን” በሎ።
ብርግፅ ፀልማት ክትሽፍነኒ እያ እንተ በልኩ፥ ለይቲ ኣብ ዙርያይ ብርሃን ትኸውን።
ክፉእ ተናጋሪ ሰብ፥ ኣብ ምድሪ ፀኒዑ ኣይነብርን፤ ንዓመፀኛ ሰብውን ክፍኣት ክተጥፍኦ ትደልዮ።
ንሓጢኣትና ኣብ ቅድሜኻ ኣንበርካ፤ ሕቡእ በደልናውን ኣብ ቅድሚ ብርሃን ገፅካ እዩ።
ንሓጥኣን ክፉእ ነገር የሳጕጎም፤ ፃድቃን ግና ሰናይ ዓስቢ ይቕበሉ።
ፃድቕ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቕ፤ ይትስእውን፤ ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ መከራ ይወድቁ።
ሓጥእ ሰብ ብበደሉ ይሕንኰል፤ ብገመድ ሓጢኣቱ ኸዓ ይእሰር።
ንበደለኛታት ግና ኽፍኣት ክረኽቦም እዩ፤ ከም ግብሪ ኢዶም ከዓ ኽፍደዩ እዮም እሞ ወይለኦም!
“በደልና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። በደልና ምሳና እዩ ዘሎሞ፥ ሓጢኣትና ንፈልጦ ኢና።
ንስንሳቶም ድማ “እዝ መከራ እዙይ ብሰንኪ መን ከም ዝረኸበና ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ንዑ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ዕፃ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ኣብ ዮናስ ወፀት።
ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።
ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።
ንማይ ቤት ዘንበሪ ኣቕረቦም፤ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣካን፥ ወዲ ካርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ ተፈለየ።