20 ሙሴ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እዝ ነገርዙይ እንተ ጌርኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ንውግእ ኣፅዋር እንተ ሒዝኩም፥
ንፀላእቱ ድማ ኻብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝሰጎም፥ እታ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፥ ኵሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈለግ ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምስ ድሕሪኡ ትምለሱ፤ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ እስራኤልን ከዓ ኻብ በደል ንፁሃት ትኾኑ፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ።
ኢያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን፦
ሽዑ ኢያሱ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ፀዊዑ፥
ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፥ ናብ ምድሪ ገለዓድ፥ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝወረስዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ተልዓሉ።