14 “ኣቱም ካብ ሓጥኣን ዝተወለድኩም ሰባት፥ ነቲ ነዳዲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክተበርትዑ፥ እንሆ ኸም ኣቦታትኩም ተልዓልኩም።
ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
“በደልናስ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ድሮ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም በዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዝኾነና ጌርኩም፥ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሓስቡ ዘለኹም እሞ፥ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ናብዙይ ኣይተእትውዎም” በልዎም።
እዝራ እቲ ኻህን ከዓ ብድድ ኢሉ “ንስኻትኩም ንዓመፅ እስራኤል ክተብዝሑ፥ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም በደልኩም።
ኣቦታትኩም እውን ከምኡ ስለ ዝገበሩ እዩ፥ ኣምላኽና እዝ ዅሉ ኽፉእ እዙይ ናብ ልዕሌናን፥ ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ዘምፅአልና። ንስኻትኩም ድማ ሰንበት ብምርካስኩም፥ ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተምፅኡ ኣለኹም” በልኩዎም።
ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ? ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።
ተመለሱ፤ ከም ኣቦታቶም ድማ ጠለሙ፤ ከም ጠዋይ ቀስቲውን ተገልበጡ።
ኣቱም ዓሌት ሓጥኣን! በደል ዝመልአኩም ህዝቢ፥ ዘርኢ ገበርቲ ኽፉእ፥ ርኽሰት እትፍፅሙ ውሉዳት፥ ወይለኹም! ንእግዚኣብሄር ሓደግዎ፤ ንናይ እስራኤል ቅዱስውን ነዓቕዎ፤ ንድሕሪት ድማ ተመለሱ።
ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን?
“ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፤ ከም ሕግጋተይውን ኣይተመላለሱን፤ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ፥ ብህይወት ዝነብሩሉ ስርዓተይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፤ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ ምድረ በዳ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክወፀሎም ቍጥዓይውን ክኽዕወሎም እየ፤ በልኩ።
ንእግዚኣብሄር ምኽታል እንተ ኣበኹም፥ ንሱ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኽሓድጎም እዩ። ነዝ ዅሉ ህዝቢ እዙይ ከዓ ተጥፍእዎ ኣለኹም” በሎም።
ንሳቶም ቀተልዎም፤ ንስኻትኩም ድማ መቓብሮም ትሃንፁ ኢኹም እሞ፥ ንስኻትኩም ተሓባበርትን መሰኻኽሮምን ኢኹም።
ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዓመፀኛታት ነበርኩም።