13 እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል የመና ተቘጥዖም እሞ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ ትውልዲ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ዀለል ኣበሎም።
ማይ ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል በሉ፤ ናይቲ ዝነብሩሉ ኸተማውን መንገዲ ኣይረኸቡን።
መዓልትታቶም ብኸንቱ ሃለቓ፤ ዓመታቶም ድማ ብሽኰላ ሓለፋ።
ነታ ትውልዲ እቲኣ ኣርብዓ ዓመት ተቘጢዐያ ነይረ፤ “ኵልሻዕ ልባቶም ይስሕት፤ ንሳቶም መንገደይ ኣይፈለጡን” በልኩ።
ደቂ እስራኤል ናብታ ዝነብሩላ ምድሪ ኽሳዕ ዝኣትዉ፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል መና በልዑ። ናብ ወሰን ከነዓን ክሳዕ ዝበፅሑ መና በልዑ።
ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።
“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።
ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።
እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥