11-12 ‘ብዘይ እቶም ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቦም ዝተኣማመኑ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛውን፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ እዞም ብምሉእ ልቦም ዘይተኣማመኑ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ሰባት፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፥ ነታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም።’
ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
ንባርያይ ካሌብ ግና፥ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ፥ ፈፂሙውን ስለ ዝተኸተለኒ፥ ናብታ ኣትዩዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፤ ዘርኡውን ክወርስዋ እዮም።
“ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሉ ናብ ውግእ ክወፅእ ዝኽእል በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቍፀርዎም ኢሉ ተዛረቦም።”
‘ካባኻትኩም፥ ካብዝ ክፉእ ትውልዲ፥ ነታ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ፍርያም ምድሪ ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና።