10 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ እግዚኣብሄር የመና ተቘጥዐ እሞ ኸምዙይ ኢሉ መሓለ፦
ስለዙይ “ናብ ዕረፍተይ ከይኣትዉ፥ ብቝጥዓይ መሓልኩ።”
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቐኒ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታት ዘየኣምኑኒ?
ግና፥ ኣነ ብሓቂ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብረይ ከም ዝመልአት፥
ነታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸቶ ኣይርእይዋን እዮም፤ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።