5 ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ምስ ሃበ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት ንውግእ ተዳለዉ።
ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ እስራኤል ሸሽሕ ሰብ ናብ ውግእ ስደዱ።”
ሙሴ ኸዓ ኻብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሸሽሕ ሰብ ወሲዱ ምስ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ውግእ ሰደዶም። ንፊንሃስ ኣቑሑ መቕደስን ምልክት ዝገብረሉ መለኸትን ኣብ ኢዱ ሃቦ።