2 “በቲ ምድያማውያን ዝገበርዎ፥ ንደቂ እስራኤል ሕነ ፍደየሎም፤ ብድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ክትእከብ ኢኻ።”
ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፤ ብፅቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ።
እስማኤል ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት ምስ ኮኖ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
ኣብርሃም ፅቡቕ መዋእል ረኺቡ፥ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ናብ ወገናቱ ኸዓ ተፀመረ።
ንኻህን ምድያም ድማ ሸውዓተ ኣጓላት ነበራኦ። ኣባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፥ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ።
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቲ ናይ እስራኤል ሓያል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ተፃረርተይ ቍጥዓይ ክገልፅ እየ። ነቶም ዝቃወሙኒውን ክብቀሎም እየ።
እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።
ንኣሮን ከዓ ኣልባሱ ኣውፂእኻ ንኣልኣዛር ወዱ ኣልብሶ። ኣሮን ግና ኣብኡ ኽመውት እዩ።”
ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ።
እንሆ ኸዓ ሙሴን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ደው ኢሎም እናበኸዩ እንተለዉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኣቶም ሓንቲ ምድያማዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምፅኣ።
ምስ ረአኻያ ድማ ኸምቲ ኣሮን ሓውካ ዝተኣከበ ንስኻውን ከምኡ ናብ ወገናትካ ኽትእከብ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ሙሴ ኸዓ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ዝዋግኡ ሰባት ኣዳልዉ፤ በቲ ምድያማውያን ንእግዚኣብሄር ዝበደልዎ ድማ ኸይዶም ይበቀልዎም።
እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።
ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።
ፍቑራተይ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ‘ኣነ ኽፈድዮ እየ’ ይብል ጐይታ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኽፈድዮ ሕደጉሉ እምበር፥ ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።
ንሱ፥ እግዚኣብሄር ንሰናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩ እሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራሕ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቖን እዩሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐፅዕ፥ ልኡኽ ቍጥዓ እግዚኣብሄር እዩ።
ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፤ ንስኻትኩም ግና ኽትሳገሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ድማ ኽትወርስዋ ኢኹም።
ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ።
ንሕና ነቲ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ” ደጊሙ ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ” ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”
እቶም ህዝቢ ንሶምሶን ምስ ረአይዎ ድማ “ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ኣመስገኑ።
ኵሉ እቲ ትውልዲ እቱይ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ። ብድሕሪኦም ከዓ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብርን ዘይፈልጥ ካልእ ትውልዲ ተልዓለ።