9 “መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ እንተ ኣተወት ግና፥ ኵሉ መብፅዓኣ ትፈፅም።
ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን እዮም እሞ፥ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ወይ ካብ ሰብኣያ ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ።
“ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ኽትህብ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐት፥
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
ካብ ቤቱ ወፂኣ ድማ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዓወት፥