Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 30:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 30:8
10 Referencias Cruzadas  

ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።


እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።


ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።


ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።


ሰብኣያ ኸዓ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ፥ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ትፈፅም።


“መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ እንተ ኣተወት ግና፥ ኵሉ መብፅዓኣ ትፈፅም።


ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ፥ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ።


ሰበይቲ ኣብ ሰብነታ ስልጣን የብላን፤ ስልጣን ንሰብኣያ እዩ እምበር፤ ከምኡውን ሰብኣይ ኣብ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፤ ስልጣን ንሰበይቱ እዩ እምበር።


ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos