Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 30:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ሰብኣያ ኸዓ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ፥ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ትፈፅም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 30:7
7 Referencias Cruzadas  

ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።


እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።


“ተመባፂዓ እንተላ፥ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፥ ብመብፅዓ ተኣሲራ እንተላ እንተ ተመርዐወት፥


ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።


ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።


“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።


ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos